|
|
መንግስቲ ኤርትራ፡
ኣብ ዓቢይ ናይ ነብሰ-
ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ
06 January 2016
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-
ገለ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ብወኪላቱ ኣቢሉ፡ ነብሱ ናይ ምድሓን ዝገብሮ ዘሎ ዘመተታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኢርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን መሰላት ስደተኛታት ብግቡእ ዘይክበረለን ሃገራት ኣዕራብ፡ ከምኡ’ውን እስራኤል፡ ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኢዩ እቲ ዘመተ ጽዒቑ ዘሎ። ነቶም ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ይጉስጉሰሉ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ዘመተ፡ ብወኪላት መንግስቲ ኤርትራ ብዝወጸ ፎርም፡ ኣታሊልካ፡ ብውዲ፡ ከምኡ’ውን ብግዲን ብምፍርራህን ክምዝመልኡዎ ብምግባር፡ “ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየሎ፡ ብኣንጻሩ እኳ'ድኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰላት ንምሕላው ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ” ዝገልጽ ምስክርነት ዝሓዘ ፎርም መሊኦም ከምዝፍርሙ ይግበር። ነቲ ዝወሃብ ምስክርነት ክሕግዞም ተባሂሉ፡ ነቶም ዝምስክሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃቦም ቅዳሕ፡ ብሰፊሑ ኣብ መርበብ ፌስ-
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ዕላማ'ዚ ንምዕዋት ካብ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ኣብ ኤምባሲታቱን ቆንስላዊ ኣብያተ-
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ሕጂ ብግዲን ብውዲን ኣኪቡ ክጥቅመሉ ዝደሊ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ፌርማታት፡ እምበኣር፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ናይ ኤርትራውያን ግዳያት ክስታት፡ ከምኡ’ውን ነታ ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ነቲ ሓቂ ከይተጻሪን ንምዕቃፍ ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብ መስርሕ ናይ ገበናዊ ጉዳያት፡ ሓቅነት ናይቲ ዝቐረበ ክስታት፡ ኣብ መንጎ ከሰስቲን ተኸሰስቲን ብቤት ፍርዲ ብዝካየድ ምጽራይ ወይ ብይን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እቲ ሓቂ ኣሎኒ ዝብል ድማ፡ ንጽህናኡ ከረጋግጽ፡ ርሑው ማዕጾ ክኸፍት ኢዩ ዝግባእ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ናይ ሓሶት ጠቐነ ኢዩ።” እናበለ፡ በቲ ኻልእ ድማ፡ እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ንክልተ ዓመት መመላእታ ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ኣጊዱዋ ይርከብ። ሕጂ ድማ፡ መታሓጥእቲ ዝኾኑዎ ሰባት ብፌርማኦም ክድግፉዎ ይጉስጉስ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት፡-
ኣብ መንጎ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ፡ ዋላ ዓሰርተ ሰባት እውን እንተኾኑ፡ “ኣብ ልዕሌና ገበን ተፈጺሙ ኢዩ!” ኢሎም እንተኸሲሶም፡ ጉዳያቶም ብሕጊ ተራእዩ፡ ፍትሒ ክረኽቡ ኣህጉራዊ መሰላት ደቂ-
ኣብ መወዳእታ ክምሕጸኖ ዝደሊ፡-
ኦ! ኤርትራዊ!
ፍትሒ ክጉዕጸጽ እናረኣኻ፡ ኣይተጽቅጥ። ብሓሶት ድማ ኣይትመስክር፡ ጽባሕ ንግሆ እታ ናይ ሓሶት ምስክርነትካ፡ ሓዊ ኾይና ከይትበልዓካ። እቶም በደልቲን ተበደልቲን፡ ብማዕረ፡ ኣብ ናጻ ቤት-
ዓመት 2016፡ ዓመት ፍትሒን ቅሳነትን ኤርትራውያን ክትኮንልና፡ ትምኒተይ ይገልጽ።
ኩልና ኤርትራውያን ድማ፡ መብጽዓ ሰማእታትና ክንዝክርን ከነተግብርን ይጽውዕ።
ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን 06 January 2016
See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-