Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print


መንግስቲ ኤርትራ፡

ኣብ ዓቢይ ናይ ነብሰ-ምድሓን ዘመተ

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ

06 January 2016


መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA)፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ከምኡ’ውን ጥቅምቲ 2015 ዝወጽአ፡ ኣብ ኤርትራ  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ ዝሕብር ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ንምፍሻሉ ዝዓለመ ሰፊሕ ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ይርከብ።


ገለ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ብወኪላቱ ኣቢሉ፡ ነብሱ ናይ ምድሓን ዝገብሮ ዘሎ ዘመተታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኢርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን መሰላት ስደተኛታት ብግቡእ ዘይክበረለን ሃገራት ኣዕራብ፡ ከምኡ’ውን እስራኤል፡ ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኢዩ እቲ ዘመተ ጽዒቑ ዘሎ። ነቶም ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ይጉስጉሰሉ ምህላዉ ይፍለጥ።


እቲ ዘመተ፡ ብወኪላት መንግስቲ ኤርትራ ብዝወጸ ፎርም፡ ኣታሊልካ፡ ብውዲ፡ ከምኡ’ውን ብግዲን ብምፍርራህን ክምዝመልኡዎ ብምግባር፡ “ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየሎ፡ ብኣንጻሩ እኳ'ድኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰላት ንምሕላው ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ” ዝገልጽ ምስክርነት ዝሓዘ ፎርም መሊኦም ከምዝፍርሙ ይግበር። ነቲ ዝወሃብ ምስክርነት ክሕግዞም ተባሂሉ፡ ነቶም ዝምስክሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃቦም ቅዳሕ፡ ብሰፊሑ ኣብ መርበብ ፌስ-ቡክ ክዘውር ቀንዩ ኣሎ (ኣብዚ ርአ)።


መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ዕላማ'ዚ ንምዕዋት ካብ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ኣብ ኤምባሲታቱን ቆንስላዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን፡ ኣገልግሎት ክረኽቡ ንዝመጹ ኤርትራውያን (ንኣብነት ፓስፖርት ከሐድሱ ንዝመጽኡ)፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፎርም ክመልኡዎን ክፍርሙሉን የገድዶም ከምዘሎ ይፍለጥ (ኣብነት ቃለመጠይቕ ኣብዚ ጠውቑ)።


ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA): ናይ ኣማኢታት ኤርትራውያን ክስታትን ጭብጥታትን ዝሓቖፈ ኣስታት 500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ከምዘውጽአት ዝዝከር ኢዩ። ነዚ ጭብጥታት ምርኩስ ብምግባር፡ እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ክሳብ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት (Crimes Against humanity)፡ ዝዳረግ ገበናት’ውን ክህሉ ከምዝኽእል፡ ናብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ጸብጻብ ምቕራባ ይዝከር። እቲ ባይቶ ድማ፡ ክሳብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትያ ነቲ ገበናት ከተጻሪ፡ ዕድመ ናይታ ኮሚሽን ድማ፡ ብሓደ ዓመት ከምዝናዋሕ ገይሩ።


መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ሕጂ ብግዲን ብውዲን ኣኪቡ ክጥቅመሉ ዝደሊ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ፌርማታት፡ እምበኣር፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ናይ ኤርትራውያን ግዳያት ክስታት፡ ከምኡ’ውን ነታ ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ነቲ ሓቂ ከይተጻሪን ንምዕቃፍ ዝዓለመ ኢዩ።


ኣብ መስርሕ ናይ ገበናዊ ጉዳያት፡ ሓቅነት ናይቲ ዝቐረበ ክስታት፡ ኣብ መንጎ ከሰስቲን ተኸሰስቲን ብቤት ፍርዲ ብዝካየድ ምጽራይ ወይ ብይን ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። እቲ ሓቂ ኣሎኒ ዝብል ድማ፡ ንጽህናኡ ከረጋግጽ፡ ርሑው ማዕጾ ክኸፍት ኢዩ ዝግባእ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ናይ ሓሶት ጠቐነ ኢዩ።” እናበለ፡ በቲ ኻልእ ድማ፡ እታ መርማሪት ኮሚሽን፡ ንክልተ ዓመት መመላእታ ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ኣጊዱዋ ይርከብ። ሕጂ ድማ፡ መታሓጥእቲ ዝኾኑዎ ሰባት ብፌርማኦም ክድግፉዎ ይጉስጉስ ኣሎ። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት፡- በቶም ተበዲልና በሃልቲን፡ እቶም "ተበዲልና!" ኢሎም ጥርዓኖም ከእውዩ መሰላት ዝተነፍጎም ኣብ ማሕዩር ወይ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ፡ ብመንገዲ መቕርቦምን መሓዙቶምን፡ ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሎ ምስክርነታትን ክስታትን ኢዩ። ስለዚ፡ እቲ "ኣብ ልዕለይ ገበን ኣይተፈጸመን፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ገበን ክፍጸም ኣይረኣኹን፡ ገበን እንተተፈጸመ ድማ መንግስቲ ተሪር ሕጋዊ ስጉምቲ ኢዩ ዝወስደሉ…ወዘተ !" ኢሉ ዝምስክር ሰብ፡ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ስለዝውክል፡ ነቲ በቶም ግዳያት ዝቐረበ ክስታትን ምስክርነትን ክብርዞ ኣይክእልን ኢዩ።


ኣብ መንጎ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ፡ ዋላ ዓሰርተ ሰባት እውን እንተኾኑ፡ “ኣብ ልዕሌና ገበን ተፈጺሙ ኢዩ!” ኢሎም እንተኸሲሶም፡ ጉዳያቶም ብሕጊ ተራእዩ፡ ፍትሒ ክረኽቡ ኣህጉራዊ መሰላት ደቂ-ሰብ (Universal Declaration of Human Rghts) የፍቅደሎም ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ውዕል'ዚ፡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበን ግህሰትን በደላትን ከይፍጽማ፡ ከምኡ ድማ፡ ናይ ዜጋታተን መባእታዊን መሰረታዊን መሰላት ከኽብራን ክሕልዋን፡ ጸጥታን ድሕነትን ዜጋታተን ከውሕሳን ይጣበቕ። ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብዚ መዳይዚ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ምህላዋ ንኹሉ ኤርትራዊን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ግሁድ ኢዩ። እቶም ዓመት መጸት፡ ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ብኣእላፍ ህይወቶም ትጠፍእ ዘላ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ዝኹሕኩሕ ዘሎ ሓዘን፡ ሓዘነን ዓው ኢለን ከይገልጻ ዝተኣገዳ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ህያው ምስር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክዉንነት ኢዮም።   


ኣብ መወዳእታ ክምሕጸኖ ዝደሊ፡-


ኦ! ኤርትራዊ!

ፍትሒ ክጉዕጸጽ እናረኣኻ፡ ኣይተጽቅጥ። ብሓሶት ድማ ኣይትመስክር፡ ጽባሕ ንግሆ እታ ናይ ሓሶት ምስክርነትካ፡ ሓዊ ኾይና ከይትበልዓካ። እቶም በደልቲን ተበደልቲን፡ ብማዕረ፡ ኣብ ናጻ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ ጥራይ ክትድግፍ ኣሎካ። ተበዲለ! ንዝበለ ሰብ፡ ኣብ ባህልና፡ ጉዳዩ ክስማዕ ንቡር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓድና ንቡር ካብ ተሓረመና ግን፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ክንዲቶም መሰሎም ዝተሓረመ፡ ጉዳያቶም ከጻሪ ተብጊሱ ኣሎ’ሞ፡ ንሕና ድማ ክንድግፎ ይግባእ። ብኣንጻሩ ግን፡ ዕንቅፋት ወይ መጋበሪያ ጨቆንቲ ክንከውን ከሎና፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ወግሐ፡ ብታሪኽ ከሕትተና ዝኽእል ገበን ኢና ንፍጽም ዘሎና፡ ብፍላይ እቶም ምሁራት ኢና እንበሃልን ተሓለቕቲ ፍትሒ ክንከውን ዝግባኣናን፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዝያዳ ተሓተትቲ ኢና።   



ዓመት 2016፡ ዓመት ፍትሒን ቅሳነትን ኤርትራውያን ክትኮንልና፡ ትምኒተይ ይገልጽ።


ኩልና ኤርትራውያን ድማ፡ መብጽዓ ሰማእታትና ክንዝክርን ከነተግብርን ይጽውዕ።



ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎንዶን 06 January 2016



See Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-