ብዛዕባ ሕልምን ሞትን

ብ’ኣራራት ኢዮብ

26 September 2015

ድሕሪ ነጻነት ሓንቲ ገኒና ዝነበረት ዋዛ ምስ ቁምነገር እዚኣ ትስዕብ ነበረት። ሓዊ እናተጸልዉ ብዙሓት ሰባት የዕልሉ። ገለ ካብኣቶም በርገስ ኪኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ግን ተጋደልቲ ነበሩ። ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ *ብግዜ ጥልያን መዓስ ኢና ናይ ገዛእ ርእስና ሃገር ትህልወና እናበልና ንሓልም ኔርና። ንሶም ምስከዱ ግን እንግሊዝ መጺኡ ሒዙና። “ብግዜ እንግሊዝውን መዓስ ኢና ናይ ባዕልና ሃገር ትህልወና እናበልና ንሓልም ኔርና። ንሶም ምስከዱ ግን ናብ ናይ ኢትዮጵያ ንጉሰ ነገስት ኣመሓሊፎምና ከዱ። ብግዜ ኢትዮጵያውያን እውን እንተኾነ ሓንቲ መዓልቲ መንግስቲ ክህልወና ዶኾን ይኸውን እናበልና ንሓልም ኔርና።* ብድሐርዚ እቶም ሰብኣይ ሱቕ በሉ። ስቕ እንተብልካስ ስቕ ትመርኮስ። ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ድፍር ኢሉ፡ “*ቀጽሉ ኣቦ። ንሕና ምስመጻእና ድኣ እንታይ በልኩም? ክብል ሓተቶም* ሽዑ እቶም ዓቢ ሰብኣይ *ኣታ ወደይ እንታይ ከምንሓልምሲ ምነገርናኩም፡ ግንሲ ኣበይሞ ምስኣደቀስኩምና?* ክብሉ መለሱሉ።


ሲ. ኤስ. ለዊስ ዝተባህለ ጸሓፋይ፡“*ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረካ/ኪ ፍልይ ዝበለ ሕልሚ ወይ ከኣ ሓድሽ ሽቶ ክትገብር ዕድመ ኣይሓትትን ኢዩ* በለ። ማለት ሓደ ሰብ እንተድኣ ኣብታ ፈላሚት ሕልሚ እንተዘይተዓዊቱ ዋጋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ምናልባት እንደገና ነታ ሕልሚ ወይ ነታ ዕላማ ከሕድሳ ኣለዎ። ካብዛ ዝተሓደሰት ሕልሚ ድማ ንውሕ ዝበለ ጉዕዞ ገለ 50 ዓመታት ንቕድሚት ወሲዱ፡ ሓንቲ ብሰላም እትነብር፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ቀጠልያን ሰማያውን ዝኾነ ባሕሪ ኣብ ትሕምብሰሉን፣ ኣብ ትሕቲ ሕግን ስነስርዓትን ትነብረሉ ሃገር ከምዘለኻ፣ ጌርካ እትቆጽሮ ቦታ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ከድሊ እዩ። ኣብዚኣ ሰለለል ዝብሉ ነኣሽቱ ወሓይዝን ሃሳስ ግመ ዝዓሰሎም ኣኽራናት ዘለዋ መሬትን ሃገርን ድማ ከም ድላይካ እትዛወረላን፣ ነዛ ዕንቁ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነትን ሃገር ከተስተማቕራን እንከለኻ ዝስምዓካ ስምዒት እሞ ሕሰብ፤ዘይከኣል ነገር የልቦን ኢልካ ድማ እመን።


ኣብ እዋን ካልኣይ ኩናት ዓለም መራሒ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ዊንስተን ቸርቺል ክስዕር ዘኽኣሎ፡ ነቶም ምስኡ ዝሰርሑ ኣባላት መንግስቲ ዝሃቦ በዚ *ብዛይካ ደምን ስራሕን ረሃጽን ንብዓትን ካልእ ዝወሃብ የብለይን * ዝፍለጥ መደረ  ክሳብ ሎሚ ይዝከር። እዚ ነቲ ዓለም ኣስካሕኪኹ ዝነበረ ናይ ናዚ ጀርመን ዝወለዖ መስርሕ ንምምካት ዝተገብረ ኣብ ረጽሚ ዝተመስረተ መኸተ ንምግላጽ እዩ ከምዚ ዝበለ። እዚ ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም መግለጺ ዝኾነ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዘረባ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይዝከር ኣሎ።

እቲ ካልእ ኣብ ሰላማዊ ኣገባብ ዝተመስረተ ናይ ማሃትማ ጋንዲ መኸተ፣ ንመንግስቲ እንግሊዝ ዝኽፈል ዝነበረ ናይ ጨው ቀረጽ ብምቅዋም ኢዩ ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ዝጀመረ። ብናይ ኣሃዝ ጸብጻብ ክረአ እንከሎ እዚ ናይ ጨው ቀረጽ ካብ ኣታዊ መንግስቲ እታ ሽዑ ንህንዲ ትገዝእ ዝነበት መንግስቲ እንግሊዝ 8.2% ጥራሕ ኢዩ ዝነበረ። እንተኾነ ግን እዚ ፍሉይ ቀረጽ እዚ ንኹሉ ህንዳዊ፣ ብፍላይ ድማ ንድኻ ኣዝዩ ጸልይዎ። ምኽንያቱ ጨው ዘይጥቀም ሰብ ስለዘየልቦ። እዚ ኣብነት እዚ ምስቲ 2% ቀረጽ ዘይምኽፋል ዝብል ናይ ኤርትራውያን ምንቅስቃስ ይመሳሰል እዩ። ማለት ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይኮነስ ነቲ ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ስለዝምልከት። ኣብዚ ናይ 2% ቀረጽ ምኽፋል እምቢ ማለት ብናይ ኣተሓሳስባ ተመሳሳልነት ኣብ ዘለዎም ሰባት እዩ ሰሪቱን ማዕቢሉን። እዚኣቶም ናይ 2% ኣይንኸፍልን ዝብል ማሕበር የብሎምን። ግንከ ኣብ ኩሉ ስደት ዝርከቡ ዘይፋለጡ ደቅሰብ በዚኣ ሓሳብ ዝለዝተራኸቡ በብወገኖም ኣይከፍሉን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ብኣካልን ብግዜን እካ እንተዘይተራኸብካ ብሓሳባት ከምተራኸብካ ንርዳእ።  

ሓሳባት ብኸመይ ይጸልውና።


ናይ ቡዲዝም መራሒ ጉተማ ቡዳ *ዝናም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሰባት ብሓደ ዓይነት ይሃርም። ኩሉ ብማዕረ ይጥልቂ። ንሃብታምን ድኻን ኣይፈልን። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘበለ ኩሉ ይጥስጥስ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንኹሉ ዝትንክፍ ህርመት ምእንቲ ክትድሕን ንነብስኻ ፍርዲ ካብ ምሃብ ተቖጠብ። ነቲ ሰናይ ሓሳባትካ ድማ ምስ ኩሉ ተማቐሎ* በለ። ልክዕ ከም ዝናም፡ ጸሓይ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ርእሲ ኩሉ ሰብ ትሃርም። ወርሒ እውን ከምኡ፣ ለይቲ ለይቲ ንኹሉ ብማዕረ፣ በቲ ቢጫ ብርሃና ንኹሉ ዝጋዓዝ ዘበለ ተብርሃሉ። ኣብ መንጎ ሓሙኹሽቲ ዝመስሉ ደበናታት ክትቅልቀል እንከላ፣ ኩሉ ኣብ ትሕቲኣ ዝዛወር ነብሲ መንገዱ ሃሰስ እናበለ ይቕጽል። ኣማኢት ኣሽሓት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓንቲ ሰማይ እተጽልል ዓለም ኩሎም ብሓደ ይንቀሳቐሱ።


ልክዕ ከምቲ እዛ ሰማይ ኣብ ርእሲ ኩሉ እተጽልል፡ ሓሳባት ድማ ኣብ ኩሉ ቦታ ሰሊኾምን ብጋህድን ይኣትዉ። ንሓሳብ ዝኽልክሎ ነገር የልቦን። ስለምንታይ ሓሳብ ነገር ስለዘይኮነ። ነዚ ሓሳብ እዚ ንምርዳእ ድማ ኣኼባን ክትዕን ናይ ኢንተርነት ርክባት ኣየድልን። ልክዕ ከምቲ ኩሉ ሰብ ንኽነብር ዘድልዮ ነገራት ዝደሊ ማለት፣ ነብሰ ምቁጽጻርን፣ ፍሉይ ሰብ ምኻንካ ምእማንን፣ እቲ ክትገብሮ ዝደለኻ ክትበጽሕ ምድላይን፣ ዝኣመሰለ ናይ ደቅሰብ ድሌታት መፈጸምታ ከተብጽሕ ምድላይ ኣብ ኩሉ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ኢዩ ሓሳባት እንተድኣ ኣብ ዓለም ብምልእታ ሳዕሪሮም ደው ከብሎም ዝኽእል ሓይሊ ዘየለ።


ሓደሓድ እዋን ምስኣየናይ ውድብ እዩ ዝጥዕመኒ ካብ ምባል ብዛዕባ ገለ ገለ ሓሳባት እንተተሰማማዕካ ዝሓሸ መንገዲ ኮይኑ ትረኽቦ። እቶም ውድባት ይስለጦም ኣይስለጦም ብዘይገድስ ከከም ዘለውዎ ክጸንሑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ሓሳብ እንተድኣ ሳዕሪሩ ግን ኣብ ዝኸድዎ የብሎምን። ፈትዮም ኣይፈትዮም እቲ ሓሳብ ክዕብልሎም ኢዩ። ደቅ ሰብ ያኢ 80% ናይ ሓንጎሎም እዮም ዝጥቀሙ ዝብል ኣረኣእያ ዘሎ። ነዚስ እስከ ናይ ብሓቂ ይጠቐሙሉ። ግደ ሓቂ ግን ዝበዝሑ ደቅሰብ ብስሚዒት ስለዝኸዱ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘጋጥም ቀሊል ሓሳባት ከስተማቕርዎን ከስላስሉሉን ኣይበቕዑን። ስለዚ ኸኣ እዩ ገለ ገለ ዝውሰድ ውሳነታት ዘገርምን ዘደንጹን። ካብዚ ሓሊፉ ከኣ እዩ ለውጥን ዉሑዳት ናይ ለውጢ ሃዋርያ ኣብ ፍሉይ እዋን ዝቕልቐሉ።

*ሓርነት ዝድThe Road to Serfdomለ ዘሎ ኣንጻር ምውዳብ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ደቅሰብ ብምውዳብ እዮም ኣብ ዓወት ዝበጽሑን ከም መርኣያ ናይ ክእለትን መሃዝነትን ዘስልጥ ተኽእሎ ዝረኽቡሉ። እንታይ ድኣ ብኹሉ መዳያቱ ዝበሓተ ዓይነት ኣወዳድባ፡ ማለት ናይ በይንኻ ዝያዳነት ትረኽበሉን፡ በዚ ድማ ካልኦት ዝሓሸ ነገር ክገብሩ ምስዝፍትኑ ብሓይሊ ምዕምጻጽን ምኽልካልን ዝገብር ኣዋዳድባ እዩ ክንጸግን ነጻነት ንኽህሉ ጻውዒት ዝግበር ዘሎ* በለ ፍረድሪክ ሃይክ በታ መንገዲ ጊልያነት (1940-43) ትብል መጽሓፍ ተፈላጥነትን ናይ ኖበል ብልጫ ዝረኸበ ናይ ቁጠባ ተመራማራይ።


ካልኦት ሰባት ዝሓሸ መንገዲ ንኽህሉ ክጽዕሩ እንከለዉ፡ ዲክተተራት ድማ ብዙሕ ግዜን ተግባራትን ኣንጻር እዚ ተርእዮ እዚ ይዋፈሩ። ዝኾኑ ካልኦት ካብ ዲክተተራት ፍልይ ዝበሉ ደቅ ሰብ ጉጅለታት ይኹኑ ውልቀሰባት፣ ዉድባቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ምሕዝነቶም፡ ኣብ ደሌት ጥራሕ ዝተመርኮሰ ይኹን ካልእ ንኽመርጹ ዕድል ክህብ ኣይደልን ኢዩ ሓደ ጨቓኒ ስርዓት። ምኽንያቱ ከም ውልቀ ሰብ ኮይንካ እትገብሮ ምርጫን ካብኡ ዝርከብ ታሕጋስ እቲ ጨቓኒ ክብሕቶ ንዝደሊ ዓለም ኣንጻሩ ስለዝኾነ።


ሰማያዊ ሽብር ኣንጻር ሰማያዊ ሰላም


እቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ብዙሕ ዝኸፈለት (ካብ ቦኽሪ ክሳብ ሕሳስ ልደ) ንእሽቶ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ  ዘይፍለጥ ክስተት  ኢዩ። ምስዚ ክወዳደር እንከሎ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወረደ *ቀይሕ ሽብር* ሓጺር እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ዝመረረ ወግዓዊ ሽብር 1976-1978 ኣቢሉ እዩ ተኻይዱ። እዚ ሓድሽ ተርእዮ ግን ንዓመታት ዝኣክል፡ ብፍላይ ድሕሪ ነጻነትን ወግዓዊ ልባስ ኣብ ዝገበረሉ ካብ መፈለምታ 2001 ኣቢሉ ክሳብ ሎሚ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብዛዕባ እዚ ጋዜጣታት፡ መርበባት፡ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕትን ብበግዜኡ ጸብጻባት ከቕርባ ወሪሐንን ከሪመንን እየን።

እዚ እከይ እዋን ድማ ምእንቲ ርእሱ ክብል ክሓልፍ እዩ። እዚ ምስሓለፈ፣ ክሓልፍ ከኣ ኢዩ፣ ኣብ ትሕቲ  ሰማያዊ  ሰማይ ሰላም ክመጽእ ኢዩ። እዚ ዝኸውን ግን ብኣጋኡ ኣብ ሓደ ብሩህ መጻኢ እምነት ምስዝህሉ ኢዩ። ነቶም ቅድሚ ሎሚ ኮሙኒስታውያን ዝነበራ ሃገራት ክንርኢ እንከለና፡ ናብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ክቕየራ ስለዝኸኣላ ነዚ እምነት እዚ የተንብሃልና ኢዩ። ኣብቲ ሕመረት ናይዚ እምነት እዚ ድማ ካብ ጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ፤ ሰላም ከምዝብርትዕ፡ ርትዓውነት ኣብ መወዳእታኡ ከምዝዕወት፤ ዝብል ሓሳብ ሰሪጹ ስለዝርከብ ኢዩ። እዘን ሎሚ ኣብ ምዕራብ አውሮጳ ዝርከባ እኒ ላትቭያን አስቶንያን ብፍላይ ኣዝዩ ዘገርም እታ ዓዲ ስታሊን ዝኾነት ጆርጂያን ንመልከት። እዚኣተን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ ደሞክራሲ መጽሓፍ እየን ተመዝጊበን ዘለዋ። ናይ ኣዝማሪኖ *ክፍደ እዩ እቲ ሕነ* ዝብል መልእኽቲ ጌና ኣሎ። ብድሕርዚ መስርሕ እዚ ሓደ ዓይነት ናይ ብሩህ መጻኢ ጻዊዒት ከምዘሎ ንርኢ።


ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ዝተራእየ ግዳይ ባሕሪ ምጥሓል ዝተረኸበ ሬሳታት ከይተላዕለ፡ ናይ ሳዕሲዒትን ዳንኬራን ክስተት ናይ ምቕባል ዓቕምን ድሌትን እናወሓደን እናዘሓለን ይኸይድ ኣሎ። እንተኾነ ግን እዚ ህልው ኩነታት ክሳብ ኣብ ክጽወር ዘይከእለሉ ደረጃ ከይተበጽሐ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ሕይወት ደቅሰብ ዋጋ ተሳኢንዎ ኣብ ዘለወሉ ኩነት ዘሰምብድን ዘሕዝንን እካ እንተኾነ ለውጢ ስለዝደለኻ ጥራሕ ለውጢ ኣይመጽን እዩ። ክመጽእ ኢዩ ዝብል ምልክታት እውን የልቦን። ምኽንያቱ እዚ ሰማያዊ ሽብር ካብ መርፍእ ክሳብ ሓርማዝ ዝኣክል ጉዳይ ኣብቲ ሃገርን ይኹን ብመጠኑ ኣብ ወጻኢውን ተቆጻጺርዎ ስለዝርከብን ንኹሉ መዐፈንታ ስለዝገብረሉን ኢዩ። ኪኖ እዚ ፍርሒን ከበባን እዚ ግን ሓንቲ ናይ ሕልምን ተስፋን ታሕጋስን ሃገር ኣላ።


ብሰላም ምዕራፍን ንሞት ከም ባህርያዊ ኩነት ናይ ምቕባልን


ነቶም ዝሓለፉ ዝኸውን ፍሉይ ቦታ ከነዳልወሎም ይግባእ። እወ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነት ከምቲ ኣሽሓት ኣማኢት ዝሓስብዎ ኣይኮነን። ነዞም ጀጋኑን ግዳያትን እዚኦም ንሶም ሓሊፎም ምስከዱ ዘጋጠመ ኩሉ ክንነግሮም ኣለና። ምስ ሞት ክንገብሮ ንደሊ ዘለና ዝምድና ክርድኡልና ተስፋ ንግበር። እዚ ናይ ዘረባ ምልልስ እዚ ኣብ ተግባር ስለዘይከኣል ምስቶም ህልዋት ተዛሪብና ነቲ ብድሕሪ 1991 ዘሎ ህሉው ኩነታት ሞት ንዘትየሉ። ካብቶም ዝሓለፉ ቁጽሮም ብዘየግድስ ኻልኦት ንቡር ሕይወት ንከሕልፉ እዮም ደረቶም ነፊሖም ዝኸዱ። ስለዚ ድማ ነዚ “*መስዋእቲ* ዝበሃል ጉዳይ ኣብዚ ናይ ረመጽ ሓሙኹሽቲ ሕይወት ኮይና ዘላ ሓዳስ ኤርትራ ቦታ ከምዘይብሉ ነተንብሃሎም።


እዚ ካብ ሃይማኖታዊ መበቆል ዝተወስደ ቃል መስዋእቲ ነዞም ካበይ ከምዝተማህርዎ ዘይፍለጥ ዓይነት፡ ንነብስኻ ናብ ቅድሚ ዓረርን መድፍዕን ኣቲኻ፡ መጻኢ ትውልዲ ሓድሽ ሕይወት ክረክብ ምእንቲ እየ ዝሓልፍ ዘለኹ፡ ዝብል ኒሕ ብምግባር ካብ ዝጠፍኡሉ መንገዲ ተመሊሶም እንተዝሪኡ እንታይ ምበሉ እዩ ዘብለካ። ኣብ ክርስትና ቀዳማይ ስዉእ ቅዱስ እስጢፋኖስ ነበረ። ንሱ ብዝጀመሮ ድማ ክሳብ ኣብ ሮሜ ከይዶም እቶም ዝሸምገሉ ጴጥሮስን ጳውሎስን እውን ተኸቲሎሞ። እዚኣቶም ሓዋርያን ግን ኣብ ታሪኽ ዓለም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ስሞም ክጽዋዕ ይነብር ኣሎ። ኣብዛ ኩነታታ ኣብ ዘድንጽዉ በጺሓ ዘላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ግን ጽባሕ ያኢ ኣቃልቦ እትስሕብን ጽቡቕ ናብራ እተቕርብን ሃገር ንምርካብ ከም ንፋስ እናተሓምበቡ ናብ ሞት ዝዘለሉ ኣጉዋብዝ እትፍልፍል ኮይና ድኣ ተረኽበት። ኣብ መጻኢ ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብዛ ናይ ሎሚ እዋን ግን ናይ ዋላሓደ ተካል ጀግና ስም ይኹን ሓወልቲ ዘይተተኽለላ ካብ ኩናት ካብ ዝወጽኣ ፍልይ ዝበለ ናይ ምርሳዕን ህቡብነት ናይ ምቕባርን ጠባይ ዘማዕበለት ሃገር ኮይና እያ ጸኒሓ ዘላ።   


እቲ ሕሉፍ መስዋእቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ክቱር ስምዒትን ድርኺትን ዝሰረተ ስለዝነበረ፣ ሓለፍቲ ነዞም ተሓምበብቲ ኣብ ናይ ስምዒት ዓለም ዝጥሕሉሉ ናይ ስዋን ዱሙ ዱሙ መስተን ሳዕሲዒትን ባህሊ ኣማዕቢሎም ነበሩ። መስዋእቲ ዝበሃል ኣምር ብፍላይ ንሃይማኖት ክርስትና ናይ መፈለምታ ጠባዩ እዩ ዝነበረ። ከምቲ ሓደ ዓቢ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዝበሎ ክርስትና ሓደ ካብቶም ንናይ ሮሜ ስልጣነ ዘውደቐ ባእታ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ መጻኢ ሕይወት፡ ማለት ድሕሪ ሞት ንዘሎ ሕይወት ዝመጣጠሩ ደቅሰብ ስለዝበዝሑን ነቲ ስርዓት እውን ስለዝዓብለልዎ፡ ኣብ ትሕቲ ተግባራዊ ዝኾነ ስርዓት ሮሜ ንዝርከብ ሕይወት ብግቡእ ክሕዝዎን ከትስማቕርዎን ኣይከኣሉን። ኣብዚ ክንመሃሮ ንኽእል ነገር ኣሎዶ ወይስ የለን? ክንደይ ኣሽሓት እዮም መስዋእቲ ቅቡል ስለዝኾነ ናብቲ ናይ መወዳእታ መንገዲ ዝሰጎሙ? ኣብ ንቡር እዋንን ዓለምን ሃገራትን ግን ተራ ወተሃደራት ንኽሞቱ ኢሎም ኣይኮኑን ናብ ውግእ ዝኸዱ። እንታይ ድኣ ንሃገሮም ክከላኸሉን፡ ንመሪሕ ሕይወቶም ክዕቕቡን ብቀንዱ  ግን ንኽዕወቱ ኢሎም ኢዮም ናብ ኩናት ዝኣትዉ። ሞት ኩነታት ዘስዕቦ ጉዳይ ድኣምበር ምርጫ ስለዘይኮነ። ስለዚ እቶም መስዋእቲ ዝኣምኑ ሰባት፤ ንሕይወት ኣየዳለዉን፣ ሓሊፎም ድማ ከይዶም። እቲ ኣተሓሳስባ እንተተዓዚብናዮ ግን ኣይግድን። ምኽንያቱ ንናይ ሕይወት ግደ ኣብ ግምት ኣየእቱን። ኣብ ናይ ሕልፈት ጥራይ ይጥምት። ስለዚ ድማ ግፍዐኛ ዝኾነ ሰብ እዚ ኣምር እዚ የድልዮን ይጥቀመሉን። መዓልቲ መዓልቲ ድማ ተሰዊኦም ተሰዊአን ክብል ይውዕልን ይሓድርን።  


ዊኪፒድያ ከምዝብሎ ስዉእ ካብ ግሪኽ ዝተወሰደ ቃል ኮይኑ ሓደ ብሰንኪ እምነቱ ግፍዕን ምብስባስን ዝወርዶ ሰብ ኢዩ። ማለት እዚ ሰብ እዚ ሃይማኖቱ ምስባኽ ግቡኡ ጌሩ ይወስድ፡ ንሃይማኖቱ ግደፍ እንተተባሂሉ ድማ ይኣቢ፡።


ቀጻልነት ናይዚ ኣገላልጻ እዚ ማለት፡ ነቲ ስርዓት ዘገልገሉ ግንከ ኣብ ገድሊ ንዘይነበሩ ተሰዊኦም ኢልካ ክትነግረሎም እንከለኻ፡ ንቡር ኣይኮነን። ንቡር ዝበሃል ነገር ክምለስን ባህላዊ ተሓድሶ ንኽህሉን ግን እዚ እውን ክተርፍ ኣለዎ። እዚ ብፍላይ ነቲ ኣብ ተጋድሎ ዘይነበረ ሰብ ተኣፋፊ ክኾኖ ይኽእል ኢዩ። ግንሲ እቲ ኣብ ተጋድሎ ዝነበረ ድኣ እዩ ብፍላይ ዝምልከቶን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ማለት እንታይ ይጽዉዑ ኣይጸውዑ ዝብል እምበር እቲ ብደገ ዝነበረ ኣይኮነን። እቶም ዝተጋደሉስ ንነብሶም እዚ ስም ይሃብዎ፡ ከም ልምዲ እውን ስለዝኾነ። እቲ ዝተረፈ ሕዝቢኸ እንታይ እዩ መግለጺኡ? ከምቲ ልማድ ኣቦታቶም ዓሪፎም እዮም ዝበሃሉ ዘለዉ። እቶም ዝተጋደሉ እውን በብሓደ ይሓልፉ ኣለዉ። እቶም በርገስ ግን ብሰላም ዓሪፉ ወይ ከኣ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩና/ትና ተባሂሉ ምስ ታሪኽ ሕይወቶም ይዘርዘር። ብቀንቃ እንግሊዝ እውን ብሰላም ዓሪፉ/ፋ ኢዩ ዝበሃል (Rest in Peace, i.e. RIP)።


ለውጢ ንኸይመጽእ ዝዓግቱ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ሞትን ምስ ሞት ዘሎ ዝምድና ሓደ ካብዚኦም ኢዩ። እቶም ኣቦታትና እካ ብዓቕሞም ኣብ ታሪኾምን ናይ ፍርዲ መዛግብቶምን ብዛዕባ ሞትን ኣስዒቡ ዝመጽእ ጉዳያት ንዝምልከት በብኣውራጆኦም ብ1880ታት ኣቢሉ ሕግን ስርዓትን እንዳባ ኣውጺኦም እዮም። ስለዚ ኻኣ እዩ“ኣድከመ ምልጋእ፡ ሕጊ ሎጎጭዋ ወ.ዘ.ተ. ዘሎ። ኣብዚ ሕግታት እዚ ኣገባብ ናብራን ካብቲ ዝነኣሰ ኩነት ክሳብ ዝለዓለ ከጋጥም ዝኽእል ክስተት ተዘርዚሩ ይርከብ። ስለዚ ሕግን ግዝኣተ ሕግን ንህሉው ይከለኸል ንዝሞተ ድማ መዕረፊ ይገብረሉ።


ሓድሽ መጀመርታ ንዝጋዓዝ ዘሎ ጎስጋስ


ሓደ ናይ ሓባር ፈትሊ ኣሎ። እዚኦም ዝተጠናነጉ ሕብሪ ከም ምልክት ሰማያውን ጻዕዳን ሕብርታት ንውሰዶም። እታ ሰማያዊት ከምቲ ንቡር መግለጺት ሃገር እያ። እታ ጻዕዳ ድማ ነቲ ዝወረደ ሓጢኣትን ገበንን ሓጺባ ሓድሽ ሕይወት ንምትካል እትሕብር ንጽሕና መረዳእታ ክትከውን ትኽእል። እዚኣተን መርኣያ (ሲምቦል) እዚኣተን ምስተን ክልተ ሰራማት ውድባትን ባንደረአንን ወርትግ ዘተሓሕዝ የብለንን። ሓድሽ ሕብርታት ግንከ ኩሉ ውልቀሰብ ናተይ ኢሉ ክዛመደንን ክጥቀመለንን ክትስፍወለንን ዝኽእላ ሕብርታት እየን። ማይማዮ ዝመስል ጻዕዳ ሰቲ ሕብሪ ንጹሕ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዝስሙ ይኹን እምበር፣ ብሓቂስ ብቀረባ ምስእንዕዘቦ ሰማያዊን ቀጠልያን ዝሓዋወሰ (Turquoise) ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ ጻዕዳ ሰቲን ሰማያውን ሕብርታትን ከም መርኣያ ውሽጣዊ ህርፋናን ተስፋናን ክኾና ይኽእላ።


*ሓደ ነጻ ሕብረተ ሰብ ንምህናጽ ሓደ ናይ ሓሳባት መንገዲ ምኻኑ ንዘክር። እዚ ኣብ ሓቦ ዝተመስረተ ምርምር . . . ነጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ ሕመረቱ ኣብ ፍልስፍና ዝሓዘ ርትዓዊ መስርሕ ምኻኑ ኣሚንና ብቐጻሊ ኣእምሮና ከምዝበላሓትን፡ ጸጸኒሑ ሓድሽ መስርሕ ክንሃንጽን ነጻ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ ክንፈጥርን እንተዘይኪኢልና፡ ዕላማ ናይ ነጻ ሕይወትሲ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዘፍርሕ እዩ። ኣብ ናይ ሊበራልነት ዓለም ክሳብ ዘለናን ኣብ ናይ ሓሳባት ቀንዲ ምንጪ መፍትሒ ሽግራት ምኻኖም ክሳብ ዝኣመንና እዋን ግን እቲ ኩናት ሲዒርናዮ ኢና ማለት እዩ።* በለ ፈረድርክ ሃይክ ኣብታ መንገዲ ጊልያነት ትብል መጽሓፉ።


*ፈራሓት ካብ ዕግርግር ናይ ነጻነት፡ ህድኣት ናይ ዲክታትርነት ይመርጹ* በለ ቶማስ ጀፈርሰን።


ሓደ ሓቦኛ ሰብ ክንዲ“ብዙሓት እዩ ዝቑጸር። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኸተልቲ የጥሪ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓሳቡ ንጹህ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቀንዲ ኣተኩሮ ጨቃኒ ዝኣቱ። ሓሳባቱ ይስረቕን እቲ ዋንኡ ድማ ይበሳበስን ይነኣስስን ይጠፍእን። ጨቆንቲ ድማ ብዝከኣሎም ነዚ ሓሳብ እዚ ከጥፍኡዎን ካልእ መልክዕ ክተሕዝዎን እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ድማ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ክገብሩ ይጽዕሩ። እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፈራሓት ድማ ምእንቲ ሰላምን ህድኣትን ክብሉ ን*ስርዓተ ሕጊ* ግዳይ ናይቲ መስርሕ ይገብሩዎ።


ግንከ ኩሉ ሰብ ግዳይ ግፍዒ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ ካብቶም ተረፍ ውጻእ መዓት ይኹን ሓድሽ ውልዶ ኣብ ወጻኢ፣ ዝኾነ ዓይነት ናይ ለውጢ ሽግ ዘብርሁ ኣይክሳኣኑን እዮም። ናይ ሎሚ ዓለም ከም ቀደም ሓበረት ዘይብላ፤ ሰባት ዘይራኸቡላን ሓሳባት ዘይላወጡላን ኣይኮነትን። ሎሚ ብሓንቲ ደቒቕ እዚ ዘይበሃል ወረን ሓሳብን ርእይቶን ብቕጽበት ዝርከበሉ እዋን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናይ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ዘይኮነስ ናይ ብዙሕ ርእይቶን ኣገባባትን ምስክርነት ዝወጸሉ ግዜ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ብሓደ ውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ብብዙሓት ውልቀሰባት ከካየድ ይረአ።


መደምደምታ።


ክቡር ዊንስተን ቸርቺል ናይ ዓባይ ቢሪጣንያ ቀድማይ ሚኒስተር ነበር *ምቕያር ምምሕያሽ እዩ። ዝያዳ ኣድማዒ ግን ኩሉ ግዜ ምቕያር የድሊ* በለ። ምስ ነብስናን ጎረቤትናን መሳርሕትናን ዘለና ዝምድና ክጥጥሕን ክምዕብልን ናይ ገዛእ ርእስና ጠባይ ክመሓየሽ ከሎ ኢዩ መጻኢ ድሌትና ዝነጽር። ከምቲ ማርጋረት ሚድ ዝተባህለት ፍልጥቲ ናይ ኣንትሮፖሎጂ (መጽናዕቲ ደቅሰብ) ኪኢላ ዝበለቶ፡“ለውጢ ዝመጽእ ካብ ሓደ ብኣተሓሳስባ ዝተራኸቡን ለውጢ ዝደልዩን ውሑዳት ሰባት እዩ። እዚ ጥራሕ ኢዩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝርአ ፍጻሜ ኣብ ዝብል መደምደምታ ድማ በጽሐት። ኣብ መወዳእታ ንዓና ዝመስል ለውጢ ዲና እንረክብ ወይስ ኣንጻርና ዝሰርሕ ለውጢ እዩ ዘጋጥመና ዝብል ሕቶ እዩ ዝለዓል። ስለዚ ኣውራ ጥንቃቐ ክግበር ዘለዎ፣ እዚ ንጥፍኣትና ዝኸውን ለውጢ እንተድኣ በብግዚኡ ኣርኪቡናን ዕድላትና መንጢሉናን ግን፣ ድኽመትና ስለዘይኣለና እቲ ጥፍኣትውን ይግበኣና ይኸውን ኣብ ዝብል መደምደምታ እዩ ዘብጽሕ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንደርጊ ዘምጽአ ናይ ሰራሕተኛታትን ተመሃሮን ምንቅስቓስ ንመልከት። ኣፍልጦና ድማ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከይርከብ ምእንቲ ዘድሊ መስርሕ ኣገባብ ምምስራት መዓስ ከምዝጅመርን ብኸመይ ኣገባብ ክኸይድ ከምዘለዎን ክሕሰበሉ ይግባእ።


—--------//-----------


Read more Articles by: Ararat Eyob. ካልኦት ጽሑፋት ብ’ኣራራት ኢዮብ

05/06/2015 18:20 PM

ትውልዲ “ኣለና”  ብ’ኣራራት ኢዮብ

[Asmarino Indepndent ]

ኣራራት ኢዮብ፡ ኣብ መርበብ ኣዝማሪኖ፡ መሃሪን መዓዲን ዝኾነ ተኸታታሊ  ጽሑፋት ንኣንባቢ ተቕርብ ኣላ። ነዚ፡ ኩሉ ክርእዮ፡ ክመሃረሉን ከሀብትምን ኣገዳሲ ዝኾነ ተኻታታሊ ጽሑፋት፡ ንምክትታል እምበኣር፡ በዚ ዝስዕብ ጠዊቕኩም ከተንብቡ ትኽእሉ፡-






Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe