January 2015 - Archive << Back

Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና


Search our site መድለዪ:
 



27/01/2015 04:11 AM

Reported Release on Bail of Six Journalists in Eritrea - January 27, 2015

[ U.S. DEPARTMENT of STATE ]

The United States welcomes reports of six journalists released on bail in Eritrea. We note with deep concern that the government continues to detain other journalists, reportedly as many as 17. We encourage the government to take immediate steps to release these additional detainees, መንግስታዊ ኣፈኛ- ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብዕለት 27  January 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ‘ኤርትራ ንሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ለቒቓቶም’ ዝብል ጸብጻባት ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ክገልጽ ከሎ፡ ናይቶም ገና ኣብ ማአሰርቲ ተሪፎም ዘለዉ 17 ጋዜጠኛታት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦ ይጠቅስ። እቲ ዝወጸ መንግስታዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ገና ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ከምኡውን ነቶም ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩን፡ ኣባላት G-15’ን ካልኦት ናይ ፖለቲካ እሱራትን፡ ብሙሉኣቶም ብህጹጽ ክልቀቑ ንመንግስቲ ኤርትራ ከተባብዕ ከምዝደሊ፡ እውን ይጠቅስ። ...Read more




24/01/2015 23:40 PM

Six Eritrean journalists released after nearly six years in prison

Reporters without borders (press release)

“We are delighted to learn of the release of these six journalists, which is an exceptional development in the terrible conditions prevailing in Eritrea, said Cléa Kahn-Sriber, the head of the Reporters Without Borders Africa desk. At this point, we ...Read more  ኤርትራ፡ ኣብ 2009 ኣሲራቶም ካብ ዝጸንሐት ጋዜጠኛታት፡ ንሽዱሽተ (6) ካብኣቶም፡ ብዋሕስ ከምዝለቐቐቶም፡ ‘ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ’ ዝተባህለ ትካል፡ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ዕለት 22  January 2015 ዝወጸ መግለጺ፡ ገና ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ፡ ከም ዳዊት ኢሳቕስዩም ጸሃየን ዝርከቡዎም 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ሓቢሩ ኣሎ።  እዚ፡ ነቶም ሃለዋትን ኩነታትን ደቆም ጨኒቑዎም ዝጸንሑ ቤተሰብ ዓቢ ቅሳነት ኢዩ።




22/01/2015 21:15 PM

ዝኽሪ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊን ብጾቱን

ድምጺ ውጹዓት፡ ጅግና ስዉአ ወዲ-ዓሊ ምስ ብጾትካ!

እታ 21 ጥሪ 2013፡ ኣብ ፎርቶ ከተማና ኣስመራ፡ ዝወላዕካያ ናይ ሓርነት ሽግ ፡ መመሊሳ ክትጥጥዕ ኢያ። ስምካን ስም ብጾትካን ድማ ወትሩ ብሓበን እናተዘከረ ክነብር ኢዩ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም’ቶም ኣብታ መዓልቲ ጅግንነትካ ዝተወፈዩ!

 





21/01/2015 01:48 AM

ራድዮ-ኤረና- ኣተኩሮ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት፡ ተኸታታሊ መልእኽቲ ብ’ኣቶ ክብሮም ዳፍላ

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት ዓውደ-ቁጠባ ኤርትራ፡ ከም፡- ትረጀሪ፡ ትካል ሸርፊ-ሂምቦል፡ ኣየርላይንስ፡ ብላዕለዋይ ደረጃ ሓላፍነት  ዝሰርሐን  ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎ ገዲም ተጋዳላይን  ኢዩ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ተኸታታሊ መልእኽቱ፡-

1) ሓያል ጎኒና ኣለሊና ንቃልሲ ክንቅርቦ፡ ድኹም ጎኒና ድማ ንሓዋሩ ክንድርብዮ፡ 2) ቀላጽምና ከነተሓባብር ከምዘሎና፡ እዚ ድማ ዝጽግም ከምዘይኮነ፡ 3) ዓወት ከጨብጠና ዝኽእል ስትራተጂ ምስኣል ግድን ክንሓልፎ ዘሎና መንገዲ ስለዝኾነ፡ ዓወት ዘምጽኣልና ስትራተጂ ምስኣል ከምዘድሊ፡ 4) መፍትሒ ኩሉ ስትራተጂና፡ ዋንነት ሃገር ናብ ኢድና ንምምላስ ይኹን፡ ዝብላ ኣርእስቲታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።

ቀዳማይ ክፋል፡  ካልእይ ክፋል፡  ሳልሳይ ክፋል

ራብዓይ ክፋል፡  ሓሙሻይ ክፋል

ተወሳኺ፡ ንኣከያይዳ መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ትንተናታትን ኣስተምህሮን ብኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ ኣብዚ ጠውቑ




21/01/2015 01:48 AM

መብርሂ ብዛዕባ ኣሰራርሓ መርማሪት ኮሚሽን ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (The UN Commission of Inquiry on Eritrea)

ቀዳም ፡ ዕለት 19 January 2015: ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንኣሰራርሓ፡- መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ብዝምልከት፡ ዎርክሾፕ (ኣኼባ) ተኻይዱ። ትሕዝቶን መልእኽቲን ናይቲ ኣኼባ ብጽሑፍ ንምርዳእ ኣብዚ ጠውቑ። ምስዚ ዝኣሳሰር ድምጺ-ኣሰና  ምስ ኣዳለውቲ ናይቲ ኣኼባ ዝገበሮ ቃለመሕትት ድማ ኣብዚ ጠውቑ




15/01/2015 01:57 AM

ድምጺ-መድርኽ፡- ኣገዳሲ ቃለ-መሕትት ምስ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ።

ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ፡ ብሓላፍነት ክሳብ፡ ፕረሲደንት ኣስመራ-ዩኒቨርሲቲ፡ ፕረሲደንት ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኮይኑ ኣገልጊሉ።፡ ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ: ናይቲ  ‘መድርኽ’ ዝተባህለ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ንምምጻእ ዝነጥፍ ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ኣባል ኢዩ።  ኣቶ ዓንደብርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014፡ ‘ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ’ ማለት፡- Eritrea at a Crossroads ዝተሰምየት፡ ንታሪኽ ኤርትራ፡ ኤርትራ ገጢሙዋ ዘሎ ፍትሒ ዝተሳእኖ ኩነታትን ንመጻኢ ዝህሉ ተስፋታትን፡ እትትንትን መጽሓፍ ደሪሱ፡ ንኣንበብቲ ከምእትበጽሕ ዝገበረ ምሁር ኢዩ። ተኸታታሊ ቃለ-መሕትቱ ንምስማዕ፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

  ቀዳማይ ክፋል፡   ካልኣይ ክፋል፡  ሳልሳይ ክፋል





21/01/2015 01:48 AM

Eritrean Athlete Teklemariam Medhin ranks first in 33th International Cross Country Competition

[ eritrea-tv.net ]

Eritrean Athlete Teklemariam Medhin ranks first in 33th International Cross Country Competition – ኣትለት ተኽለማሪያም መድህን፡ ኣብ መበል 33 ኣህጉራዊ ቅድድም ጉያ መሮር፡ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።






15/01/2015 01:57 AM

ሰሚናር ብሓዳስ መሪሕነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ -  Paltalk Seminar by newly elected ENCDC leadership

[ ፓልቶክ ስመር፡ ገዛ ቁ. ሓደ  Eritrean Smerrr for Change Room-1 ]

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014፡ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ህጹጽ ኣኼባ ምክያዱ ዝፍለት ኢዩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሓዳስ መሪሕነት መሪጹ ድማ ወጺኡ። ወከልቲ ናይታ ዝተመርጸት ሓዳስ መሪሕነት፡ ማለት፡- ሓጅ ዓብደልኑር (ኣቦወንበር)፡ ተኽላይ ኣብራሃ (ምክትል ኣቦወንበር) ከምኡ’ውን ዑመር ዓሊ (ሰክረታሪ) ብዕለት 10 ጥሪ 2015ኣብ ፓልቶክ ስመር ገዛ ቁ. ሓደ፡ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም ኣለዉ። ብቀጥታ ዝተቀድሐ ትሕዝቶ ናይቲ ሰሚናር እምበኣር፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ይቐርበልኩም ኣሎ። ሰናይ ምክትታል፡-

ቀዳማይ ክፋል፡  ካልኣይ ክፋል፡  

Related: ቃለመሕትት ምስ ዶ/ር ርእሶም መስፍን፡-

1ይ ክፋል2ይ ክፋል




09/01/2015 23:07 PM

ዓምዲ ጥዕና፡- መንእሰያትን ድራግን

The Youth & Drugs

ብዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር

[ kidanemhret.com ]

 መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ተጠቀምቲ ድራግ ወይ ሓለፋ ናይ ዝተፈላለዩ ሓደገኛ ዓይነት ድራግ ዘለዎም ኣይኮኑን። ግን'ከ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ውሑዳት መንእሰያት ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ድራግ (ዕጸ-ፋርስ) ከም ማሪዋና፡ ሓሺሽ፡ ኮከይን፡...ወዘተ ተወለፍቲ ይኾኑ። በዚ እውን ካብ ትምህርትን ... Read more

ተመሳሰልቲ ኣስተምህሮታትን ምኽሪንኣብዚ ጠውቑ





05/01/2015 00:56 AM

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ንድፊ ቅዋም ኤርትራ ነበር ዶር በረኸት ሃብተስላሰ፣ ብሕግን ቅዋምን ተማሓዲርካ ንምንባር ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ባህግን ድሌትን ብመደረ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክመውት ከምዘይክእል ገሊጹ።

[Assenna.com ኣሰና]

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ንድፊ ቅዋም ኤርትራ ነበር ዶር በረኸት ሃብተስላሰ፣ ብሕግን ቅዋምን ተማሓዲርካ ንምንባር ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ባህግን ድሌትን ብመደረ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክመውት ከምዘይክእል ገሊጹ። Read more

ምስዚ ዝተኣሳሰር:-




03/01/2015 20:08 PM

ድምጺ መድርኽ፡- ቃለ-መሕትት ምስ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ -  ኣብ ህሉው ኩነታትን፡ መግለጺ ሓድሽ ዓመት ፕረሲደንትን፡ ዘተኮረ ትሕዝቶ።

1ይ ክፋል፡  2ይ ክፋል፡  ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ቃለመሕትት ምስ ራድዮ-ኤረና (31.01.2015) ኣብዚ ጠውቑ




02/01/2015 04:31 AM

በቲ  ትማሊ ዕለት 31/12/2014 ዝሰማዕኩዎ  ልቢ  ንጹህ  ኤርትራዊ ዝኹምተረ  ቃለ-መሕተት  መራሒ  ህግደፍ ተተንኪፈ፡ ንከምዚ  ከማይ  ጉሁይ  ልቢ ደለይቲ  ፍትሒ ኽድብስ፡  በዛ  ናዕታ ኣቢለ  ጽንዓት  ይሃብኩም  ንኽብሎም ክትፈቕዱለይ  ብትሕትና  እሓትት።

ትውፊት ወለድና!

እቲ ቅርሲ ቀዳሞት *ስድቢ ኣቦታትና  

ሃብቲሙን ማዕቢሉን ብጻዕሪ ምሁራትና

ህዝቢ ተዛትዩ ምስ በሎ 'ይርሓሰና'

ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩዎ መላኺ ሃገርና

ፍርዲ ከይረኸበ ከምቶም ጀጋኑና

ኣብ ማሕዩር በልዩ ሙማቱ ኣርዲኡና!  

… Read more

ምስዚ ዝተኣሳሰር:- ቃለ-መሕትት ፕረ/ኢሳያስ ዕለት 31/12/2014:-

 1ይ ክፋል2ይ ክፋልንቅዋም ዝምልከት





01/01/2015 22:28 PM

ምዕዶ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ

ካብ ጋዜጣ ‘ሓንቲ-ኤርትራ’ 1951

Asmarino Com (ኣዝማሪኖ)















01/01/2015 18:21 PM

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2015

መርበብ ሓበሬታ፡- ስኒትና

     ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን እትርከብ፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

እንቋዕ ናብ 2015 ዓመት ክንርኢ ኣብቃዓና።

እዛ ሓዳስ ዓመት 2015፡-

     ኩሉ ሕሰማትና ተቐንጢጡ፡ ሰላምን ራህዋን ክወርደና፡ ፈቐዶኡ ዝተበታተነት ስድራቤት እትጠራነፈላ፡ ወረ ኣውያትን ስቅያትን ንሓዋሩ ዘብቃዓላ ዓመት: ክትኮነልና፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና (www.snitna.com) ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።

     በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕነት ህዝቡ ከም ህጹጽ ጉዳይ ወሲዱ፡ ጉድለታቱ ኣሪሙ: ብዓቢይ-ዝላ ንቕድሚት: ብዕትበት ዝሰርሓላ ዓመት ክትከውን፡ ለበዋኣ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ እናቕረበት፡ ኣብ ዓድና ዘሎ ምምሕዳር ድማ፡ ስቅያት ህዝቡ ግቡእ እዝኒ ክህበሉ ትጽውዕ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና (www.snitna.com)




Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe